ድሕሪ ክልተ ናይ ሊግ ፀወታ ዝተባረረ ኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሊቨርኩሰን ንኣሰልጣኒ ኤሪክ ቴን ሃግ ኣሰናቢታቶም፡፡

እቶም ኣሰልጣኒ ካብ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ተሰናበቱ ብዘይ ጋንታ ዝፀንሑ እንትኾኑ፥ ኣብዚ ክረምት ንስፔናዊ ኣሰልጣኒ ዣቢ ኣሎንሶ ብምትካእ ንባየር ሊቨርኩሰን ምርካቦም ይዝከር፡፡

ሊቨርኩሰን ኣብ ቡንደስሊጋ ኣብ ዝገበረቶም ክልተ ፀወታታት ሓደ ስዕረት ሓደ ማዕረ ዝተፈላለየት እንትትከውን፥ ክትረኽቦ ካብ ዝነበራ ሽዱሽተ ነጥቢ ክትረክብ ዝኸኣለት ሓንቲ ነጥቢ ጥራሕ ኢዩ፡፡

ኣመራርሓ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ምንቅስቓስ እታ ጋንታ ብምግምጋም ነቲ ኣሰልጣኒ ንምስንባት ውሳነ ምሕላፋ ተገሊፁ፡፡

ነዚ ስዒቡ ምክትሎም ብግዚያዊነት ናይ ኣሰልጣናይነት ሓላፍነት ከምዝርከቡ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment