ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ቶኪዮ እናተኻየደ ዝቐነየ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክልተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምሩ ኣርባዕተ ሜዳልያታት ብምርካብ ውድድራ ዛዚማ።
ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝረኸበቶ በዝሒ ሜዳልያ ካብ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራት መበል 21 ደረጃ ብመሓዝ ፃንሒታ ወዲኣ፡፡
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ድሕሪ 34 ዓመታት ብዘይ ሜዳልያ ወርቂ ዝተመለሰትሉ ሻምፒዮና ኮይኑ፡፡
ኣሜሪካ 13 ወርቂ 5 ብሩርን 4 ነሓስን ብድምር 22 ሜዳሊያታት ብምርካብ 1ይቲ ብምዃን ነቲ ሻምፒዮና ብፀብለልታ ክትዛዝሞ ክኢላ፡፡
ኬንያ 7 ወርቂ 2 ብሩርን 2 ነሓስ ብድምር 11 ሜዳልያታት ብምእካብ ካብ ዓለም 2ይቲ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራን ዛዚማ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!