ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤላውያን ኖኣ ኣርጋቫኚን ኣቪንታን ኦርን ብሃማስ ምስተዓገቱ ድሕሪ 738 መዓልቲታት ምስተለቐቑ ዳግም ተራኺቦም፡፡
እቶም ፍቕረኛታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያ 7 ጥቅምቲ 2023 ሃገር ሰላም ኢሎም ኣብ ምዕራባዊ ኔጌቭ ፌሰቲቫልስ ሙዚቃ ኖቫ እናተዓደሙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኢዩ ሃማስ ሃንደበት ብዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ዕግታ እቲ ጉጅለ ዝወደቁ፡፡
ፍቕረኛ ኣቪንታን ዝነበረት ኖኣ ኣርጋቫኒ ሃንደበት ድሕሪ ዝተኸፈተ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሃማስ ብሓይሊ ናብ ሞተር ሳይክል ክትወፅእ ብምግዳድ ናብ ጋዛ እናወሰዱዋ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብበዝሒ ተጋውሒ ነይሩ፡፡
ድሕሪ እቲ ዘደንግፅ ኣጋጣሚ ሓይሊ ኮማንዶ እስራኤል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 8 ሰነ 2024 ኣብ ማእኸላዊ ጋዛ ብዝገበሮ ወታደራዊ ወፍሪ ናይ ኣቪንታን ፍቅረኛ ዝነበረት ኖኣ ኣርጋቫኒን ካብ ዕግታ ሃማስ ከልቅቓ ክኢሉ ኢዩ፡፡
ኖኣ ካብዕግታ ናፃ ትኹን እምበር ኣብ ትሕቲ ዕግታ ሃማስ ዝወደቐን ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍለጥን ፍቕረኛኣ ዘይምልቃቑ ሓጎሳ ሙሉእ ከይኸውን ገይሩዎ ፀኒሑ ኢዩ፡፡
ይኹን እምበር ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ሃማስን እስራኤልን ስዒቡ ካብ ሞንጎ ዝተለቐቑ ፈላሞት ሸውዓተ ሰባት ሓደ ኣቪንታን ኦር እንትኸውን÷ እቶም ፍቕረኛታት ካብ ዝፈላለዩ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዳግም ክራኸቡ ክኢሎም፡፡
ፍቕረኛኣ ምልቃቑ ስዒቡ ድማ ኖኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፃ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ÷ ምስ ኣቪንታን ናይ መወዳእታ ግዘ ሓቢርና ካብ ነሕልፍ ክልተ ዓመት ኮይኑ፤ ክልተ ናይ ጭንቂ ዓመታት ኣብ ኢድ ጨካናት ኣሕሊፍና ኢና፡፡
ድሕሪ እቲ ዕግታ ኖኣ ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብምዃን ኣብ ምበሪ ገዛ ተቐሚጦም ከምዝፀንሑ ብምግላፅ ፍቕረኛኣ ኣቪንታን ኦር ግን ኣብ በዓልቲ ከምዘሕለፈ ተዛሪባ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!