ድሬዳዋ ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምጥህብባርን ኣርኣያ ትኸውን ከተማ ኢያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሬታት ቢርካ ንምንባር ገንዘብ፣ ቋንቋ ወይ እውን እምነት ዘይኮነስ ሰብነት ይኣክል ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኢዮም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ድሬዳዋ ዝነበሮም ፃንሒት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ናይ ኢንዱስትሪ ከተማ ኣብ ዝኾነት ድሬዳዋ ልዕሊ 400 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዝርከቡዋ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ነፃ ንግዲ ዞባ ምስ ምዃና በምትሕሓዝ ኣብታ ከተማ እናተኸፈቱ ዝርከቡ ናይ ተስማዕማዕነትን ምዘናን ፍተሻ ጣቢያታት ካብ ወፃኢ ዝኣትዉን ዝለኣኹን ፍርያታት ንምቅልጣፍ ኣዚዩ ጠቐምቲ ኢዮም ኢሎም።

ካብ ፍርያት ዓለባ ሓሊፉ ንዘፈር ህንፀት ዝኾኑን ካልኦት ፍርያታት ኤሌክትሮኒክስን ከምዝጀመሩ ብምሕባር÷ መሰል ስራሕቲ ብምጥንኻር እቶት ድሬዳዋ ምድንፋዕ ይግባእ ኢሎም፡፡

ድሬዳዋ ብጎቦታት ዝተኸበበት ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብቲ ከባቢ ብዝዘንብ ዝናብ ዘጋጥም ውሕጅ ነቶም ጎቦታት ተፀጊዑ ናብታ ከተማ ከምዝመፅእ ኣብሪሆም፡፡

ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ውሕጅ ንምክልኻል ድማ ግድብ ምስራሕ፣ ኣትክልቲ ምትካልን ኣባይቲ ብዲዛይን ምህናፅን ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment