ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)10ይ ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ድሬዳዋ ከተማን ኣዳማ ከተማን 1 ን 1 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።
ቀትሪ ሰዓት 7:00 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ፀወታ ንድሬዳዋ ከተማ ያሬድ ታደሰ ከምኡ እውን ንኣዳማ ከተማ ነቢል ኑሪ ሸቶታት ኣመዝጊቦም።
ፀወታ እቲ ሊግ ሰዓት 10:00 ቀፂሉ እንትካየድ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ መቻል ምስ ኢትዮ ኤሌክትሪክ፤ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ድማ ሲዳማ ቡና ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ክራኸባ ኢየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!