ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ድሬዳዋ ከተማን ፋሲል ከነማን ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ብዘይሸቶ 0 ን 0 ተፈላሊየን፡፡
ኣብቲ ስታዲየም ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ካብ ሰዓት 12 ጀሚረን መቻል ምስ ምድረ ገነት ሽረ እናተፃወታ ይርከባ፡፡
ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣርባ ምንጭ ከተማ ንሸገር ከተማ 2 ን 1 ስዒራታ፡፡
ኣብቲ ስታዲየም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኢትዮ ኤሌክትሪክን ባህር ዳር ከተማን ብዘይሸቶ ማዕረ ተፈላሊየን እየን፡፡