ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)
ድርቂ ዝፃወሩን ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡን ሃገራዊ ዓሌታት ስርናይ ንምምዝጋብ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኢንስቲትዩት ብዝሃ ህይወት ኢትዮጵያ።
መራሒ ምርምር ኣዝርእትን ሆርቲካልቸርን ውብሸት ተሾመ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ኣስታት 80 ካብ ዝኾኑ ዓሌታት ስርናይ ድርቂ ዝፃወሩን ዝሓሸ ፍሪያት ዝህቡን 4 ዓሌታት ተፈሊዮም።
እቶም ዓሌታት እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዘጣየሾ ባንክታት ኣዝርእቲ ኣብ ግራት ተፈቲኖም ውፅኢት ዝተረኸበሎም ኢዮም ኢሎም።
ክሳብ 58 ኩንታል ዝኸውን ፍሪያት ከምዝርከቦም እውን ገሊፆም።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!