ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድንሽ ንምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ዘለዎ ግደ ዝምጥን ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ሓቲቶም።
ፍርያት ድንሽ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሑኡ ሓሊፉ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተመራመርቲ ዓውዲ ሕርሻ የሕብሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ መበዛሕትኡ ክፋል ማሕረሰብ ድኑሽ ኣብ ስርዓት ኣመጋግቡኡ ኩሉ ግዘ ብዝተፈላለየ ኩነታት ይጥቀም።
ድንሽ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ክፃወር ዝኽእልን ኣብ ውሱን ቦታን ኣብ ሓፂር ግዘን ልዐል መጠን ዘለዎ ፍርያት ክህብ ዝኽእል ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ የብርሁ።
ማሕበር ምርምርን ልምዓትን ኣይሪሽ ፖቴቶ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር 2ያ ዓለም ለኸ መዓልቲ ድንሽ ኣኽቢሩ።
ንብዙሓት ዓማውቲ ኣብ ድንሽ ምርምር እናገበሩ ዝፀንሑ ኣይተ ገብረመድህን ወልደጊዮርጊስ ኣብቲ እዋን፥ ድንሽ ካብ ልሙድ ኣመጋግባ ሓሊፉ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንምግቢ ናይ ምጥቃም ኩነታት እናተዘውተረ ይርከብ ኢሎም።
ድንሽ ንምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ካብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦን ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሕኡን እኹል ትኹረት ከምዘይተውሃቦ እውን ተዛሪቦም።
ተፀዋዒ ቢሮ ዓለም ለኸ ትካል ምርምር ድንሽ ኣብ ኢትዮጵያ ሰጠኝ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብ ዘቕረቡዎ መፅናዕቲ ድንሽ ብፍላይ ድማ ንውሕስና ምግቢ ስትራቴጂያዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ገፀር ክፋል ማሕበረሰብ ክዙን ምግቢ ኣብ ዝውደአሉ እዋን ክረምቲ ቀንዲ ኣማራፂ ምግቢ ከምዝኾነ ብምሕባር ንውሕስና ምግቢ ዘለዎ ረብሓ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ሓፂር እዋን ውሱን ቦታን ልዑል መጠን ዘለዎ ፍርያት ድንሽ ምርካብ ከምዝከኣል ብምግላፅ፥ ዝተመሓየሹ ዓሌታትን ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒን ብምዕባይ ነቲ ዓውዲ ምሕጋዝ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣብ ድንሽ ብዙሓት ምርምራት ብምግባር ዝተመሓየሹ ዓሌታት ከምዘቕረበ ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ምርምር ዝራእቲ ፍቃዱ ጉርሙ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ