ዶናልድ ትራምፕ ናብ እስራኤል ቴል ኣቪቭ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝተገበረ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ናብ እስራኤል ቴል ኣቪቭ ኣቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቴል ኣቪቭ ቤን ጎሪዮን እንትበፅሑ ብወተሃደራዊ ምርኢት ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ትራምፕ ኣብ ፃንሒቶም ተግባራዊነት እቲ ስምምዕነት ከምዝግምግሙን ዝተረፉ ተዓገትትቲ እስራኤል ምስዳድ ዝምልከት ምስ ክኔሴት እስራኤል ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኣሸማጋሊነት እስራኤል ዝተበፅሐ ስምምዕነት ደው ምባል ተዂሲ ተግባራዊ ምግባር ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ኲናት ጋዛ ደው ዝበለ እንትኸውን፥ እስራኤል ካብ ኣብዝሓ ክፋሊ ጋዛ ሰራዊታ ኣውፂኣ ኢያ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment