ጀጋኑ ዓድዋ እዚ ሓዱሽ ዘበን ብምዃን ጭቡጥ ናይ ለውጢ ኣብነት ክንከውን ኢና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ጀጋኑ ዓድዋ እዚ ሓዱሽ ዘበን ብምዃን ጭቡጥ ናይ ለውጢ ኣብነት ክንከውን ኢና።

መበል 130 በዓል ዓወት ዓድዋ “ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ ናብ ብሩህ ኣድማስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ በዓል ብምርካብ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ዓወት ዓድዋ ብፍላይ ንዓና ንኢትዮጵያውያን ኢትዮጵያ ብማንም ዘይትድፈር ናይ ናፅነት ሃገር ምዃና ብግልሊ ዘርኢ ኢዩ ኢለን።

ሎሚ እነኽብሮ በዓል ዓወትና ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኩርዓት መላእ ኣፍሪካውያን ኢዩ ክብላ እውን ተዛሪበን።

ጀጋኑ ኣቦሓጎታትና ኣፈላላዮም ንደሓር ብምሕዳግ ሃገሮም ብዝተሓባበረ ቅልፅም ኣኽቢሮም ነዓና ናፅነት ከምዘረከቡና፤ ናይ ሕዚ ትውልደዲ እውን ኣፈላላያት ብዝሃድአ መገዲ ብምርኣይን ኣብ ሃገራዊ ሓድነት ብምርድዳእን ንኢትዮጵያ ክንሰርሕ ኣለና ክብላ ኣፅንኦት ሂበን።

ብሓድድነት ደው ብምባል ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ኢና ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ናይዚ ሓዱሽ ዘበን ጀጋኑ ዓድዋ ብምዃን ንዓለም ጭቡጥ ኣብነት ለውጢ ክንከውን ኢና ኢለን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment