ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ም/ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣሰፋ ኣብዩ (ዶ/ር) ብፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ኦው ሳዳማ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኻኻ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብዝምልከት ዝግበሩ ምትሕብባራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምዕባይ ተዛቲዮም፡፡
ምክትል ዳርክተር ጀነራል ኣሰፋ ኣቢዩ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቦም ዝተወገኑ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ከምኡ እውን ዘፈር ፀፅታ ሪፎርምታታት ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ኣማራፂ መገዲታት በሪ ባሕሪ ተበፃሕነት ንምርግጋፅ ዝጀመረቶም ምንቅስቓሳት ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብሪሆም።
ኦው ሳዳማ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ረብሓን ፅዕንቶ ፈጣራይነት ምትሕብባርን ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድንፋዕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡
ምስ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድድሕነትን ኣብ ሓበሬታን ልውውጥ ልምዲን ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምሕዝነት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ተበፃሕነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዝጀመረቶም ፃዕሪታት፤ ጃፓን ከምትድግፍ ገሊፆም።