ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካሜሩን ዜግነት ዘለዎም ጆርጅ ኤሎምቢ ፕሬዚዳንት ባንኪ ኤክስፖርት ኢምፖርት (አፍሪኤግዚም) ኮይኖም ተመሪፆም፡፡
እቶም ተመረፅቲ ፕሬዚዳንት ናይቲ ባንኪ ቦርድ ዳይሬክተርን ብኣቦ ወንበርነትን ክመርሑ እዮም፡፡
ኤሎምቢ ዝተመረፁ እቲ ባንኪ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብፕሬዚዳንትን ዳይሬክተር ቦርድ ኣቦ ወንበር ዝነበሩ ቤኔዲክት ኦራማህ (ፕ/ር) ብምትካእ እዩ።
ኤሎምቢ ካብ ዝጣየሽ 32 ዓመታት ዘቁፀረ እቲ ባንኪ ንምምራሕ ራብዓይ ፕሬዚዳንት ኮይኖም ክብል ካብቲ ባንኪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!