ጆዜ ሞሪንሆ ምስ ነበር ጋንታኦም ቼልሲ ዘራኽብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካልኣይ ዙር ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮፓ ክካየዱ ኢዮም፡፡

ሎሚምሸት ሰዓት 4 ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪንሆ ንቤኔፊካ እናመርሑ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ንነበር ጋንተኦም ቼልሲ ዝገጥሙሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኝ ቅድሚ እቲ ፀወታ ብዛዕባ ነበር ጋንታኦም ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ቼልሲ ዓባይ ጋንታ ንኽትከውን ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮም ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣነ ኩሉ ግዘ ሰማያዊ ኢየ፥ ነገር ግን ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ትኹረተይ ቤኔፊካ ተዓዋቲት ምግባር ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ቅድሚ እዚ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1፡45 ሓያክ ጋንታ እቲ መድረኽ ሪያል ማድሪድ 13 ሰዓታት ዝውድእ ነዊሕ በረራ ብምግባር ምስ ጋንታ ካዛኪስታን ካይራት ኣልማቲ ክትገጥም ኢያ፡፡

ብተመሳሳሊ ምሸት 1፡45 ጣሊያናዊት ጋንታ ኣታላንታ ንቤልጂየማዊት ጋንታ ክለብ ብሩጅ ኣብ ሜዳኣ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ምሸት ሰዓት 4 ሊቨርፑል ናብ ቱርኪ ብምምራሕ ምሽ ጋላታሳራይ ትገጥም እንትትከውን፥ ቶተንሃም ናብ ኖርዌይ ብምጉዓዝ ምስ ቦዶ ግሊምት ክትፃወት ኢያ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ፍፃመ ተነሓናሒት ዝነበረት ኢንተር ሚላን ምስ ጋንታ ቼክ ሪፐብሊክ ስላቪያ ፕራግ፣ ባየርን ሙኒክ ምስ ጋንታ ቆጵሮስ ፓፎስ፣ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ኢንትራክት ፍራንክፈርት፣ ማርሴ ምስ ኣያክስ ኣምስተርዳም ካልኦት ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት ኢዮም፡፡

ብሃይለማሪያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment