ገምጋም ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ሆሳእና ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ሆሳእና ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንትና ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ኣይተ ኣደም ፋራህን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)ን ከምኡ እውን ካብ ኩለን ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ፓርቲ ተረኺቦም።

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣመራርሓ ቅድሚ እቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ትማሊ ኣብቲ ክልል ዞባታት ምብራቕ ጉራጌን ስልጤን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ጎብኒዮም፡፡

በዚ ድማ እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ከተማ ቡታጅራ ማእኸክ መማዕበሊ ዓሌት ኣቮካዶ፣ ፕሮጀክት ወሰን ሩባ፣ ማሕበረስ ስራሕ ምርባሕ ንህቢ ቀሸትን ደስታ ጋርመንትን ተዓዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment