ገዚፍ ማእኸል ኒውክሌር ኢራን ዳግማይ መጥቃዕቲ በፂሑዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዚፍ ማእኸል ኒውክሌር ኢራን ዝኾነ ፎርዶው ሎሚ ዳግማይ መጥቃዕቲ በፂሑዎ።

ኣሜሪካ ትማሊ  ፎርዶው ሓዊሱ ናታንዝን ኢስፋሃን ኣብ ዝተብሃሉ ጣቢያታት ኒውክሌር ኢራን ዕዉት መጥቃዕቲ ቡንባ ምፍፃማ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምግላፆም ይዝከር።

ሎሚ ዳግም ኣብ ማእኸል ኒውክሌር ፎርዶው መጥቃዕቲ ምፍናዉ ማእኸናት መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ብምርቋሕ ኣሶሺየትድ ፕሬስ ፀብፂቡ።

ኮም ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት ኢራን ዝርከብ እቲ ማእኸል ሎሚ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመሉ ኣቐባሊ ቃል ምክልኻል ሓደጋ እቲ ገዝኣት ተዛሪቦም።

ይኹን አንበር እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈፀመን ዘብፀሖ ጉድኣትን ዝጠመተ መብርሂ ኣይሃቡን።

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment