ገዛኢ ያታ ኣብ ምስራፅን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምህናፅን ኣብ ልምዓት ቋንቋ ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዛኢ ያታ ኣብ ምስራፅን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ምህናፅን ኣብ ልምዓት ቋንቋ ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣፍሊጡ።

“ልምዓት ብዝሃ ቋንቋ ንህብረ ብሄራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ብዝሃ ባህልን ቋንቋን ንምልማዕ ሕገ መንግስታዊ መትከላትን መሰላትን ስዒቡ ኣብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝተዳለወ ፖሊሲ ቋንቋ ተግባራዊነት ንምስላጥ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ፥ ቋንቋ ሕብረተሰብ ምሕላውን ምክንኻንን ከምኡውን ባህሉን ማሕበረሰባዊ ፍልጠትን ኣብ ምምዕባል ብዙሓት ስራሕቲ ተኻይዶም ኢዮም።

ናይ ብሄራት፣ ብሄራሰባትን ህዝብታትን ብዝሃ ባህሊ ንትውልዲ ንምትሕልላፍ፣ ገዛኢ ያታ ንምስራፅን ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንምህናፅን ኣብ ልምዓት ቋንቋ ጠመተ ብምሃብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂበን።

ሓሙሽተ ቋንቋታት ቋንቋ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ናይ ምግባር  ከይዲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ እውን ተዛሪበን።

ክሳብ ሐዚ ፍኖተ ካርታ ሓሙሽተ ቋንቋታት ምድላዉ ድማ ኣብሪሀን።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment