ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)2ይ ጉባኤ ኣፍሪካ ጣሊያን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ክካየድ ኢዩ።
ጉበኣ ኣፍሪካ ጣሊያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ፤ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ምስ ካሊእ ዓለም ንምትእስሳር ዘለዋ ዓቕሚ ዘርኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ጉባኤ ርክብ ኣፍሪካን ጣሊያንን ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻኻ ምትሕብባራት ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ዝገብር ኢዩ፡፡
ኢትዮጵያ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲን ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካን ንምትእንጋድ ተሰናዲኣ ኣጋይሻ እናተቀበለት ትርከብ።
በዚ ድማ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!