ጉባኤ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልካል ገበን ፤ ብተግባር ገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምብራቅ ደቡብ ኣፍሪካ ምክልኻል ገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ መበል 50 ጉባኤ ሓለፍቲ ስራሕ ጉጀለ ምክልኻል ገበን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ሓላፊት ቤት ፅሕፈትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ጉዳያት ካቢኔ ሚኒስትር ኣለም ፀሃይ ጳውሎስ፣ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ፋይናንስን ደሕንነትን ሙሉቀን ኣማረን ኣቦ መንበር ፍሬዘር ኣያሌውን ተረኺቦም።

ብተግባር ገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ዓመታዊ ጉባኤ ጉጅለ ምክልኻል ገበን ካብ 16 ነሓሰ ክሳብ 24 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

እቲ ሎሚ ዝጀመረ ጉባኤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ምክልኻል ገበን፤ ብገበን ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምቕራብ ንምክልኻል ዓመታዊ ጉባኤ ሓደ ኣካል እዩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኣባል ሃገራት፣ ሓደ ተዓዛቢን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 1ሺሕን 150 ተወከልቲ ኣብ ምስታፍ ይርከቡ፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ምምሕያሽ ሕጊ ካብ ምግባ ኣትሒዙ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምትሕብባርን ብምውህሃድን ክሰርሕ ከምዝፀንሐ እውን ተገሊፁ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment