ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)2ይ ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ተረኺቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እቲ እዋንን ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ጆኣዎ ሎሬንሶ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓለፍቲ ትካላትን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ይርከቡ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ምስ ዝተረፈ ዓለም ንምትእስሳር ዘለዋ ዓቕሚ ዘርኢ እንትኸውን፤ ኣብ ሞንጎ ጣሊያንን ሃገራት ኣፍሪካን ዘሎ ጥንኩር ምሕዝነት ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!