ጉባኤ ፖሊሲ ምሕደራ መሬት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሸድሻይ ጉባኤ ፖሊሲ ምሕደራ መሬት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ መሓዙት ትካላት መውፃእቲ ፖሊሲ፣ ተመራመርቲ ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

እቲ ጉባኤ ኣፍሪካውያን ዜጋታን ኣፍሪካውያን ዳያስፖራን ኣብ ጉዳያት ምሕደራ መሬት፣ ፍትሒን ካሕሳን ትኹረት ብምግባር እናዘተየ ይርከብ።

ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ብሓባር ዝተሰናደአ እቲ ጉባኤ፤ ካብ ኣሸር ጥዕንቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተናገፈ ተበፃሕነት መሬትን ትሕዝቶ ወናነነትን ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቡ ክዝቲ ኢዩ።

ከምኡ እውን ፖሊሲታት ዘላቒ ምሕደራ መሬት ምምሕያሽ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምዝዝቲ ተገሊፁ።

ግልፅነት፣ ተሓታትነት፣ ኣተሓሕዛ ሓበሬታን ገምጋምን ብምምሕያሽ ኣብ ፖሊሲን ስትራቴጂን መሬት ሃገራት ዘለወን ፅቡቕ ተሞክሮ ኣብቲ መድረኽ ክቐርብ ኢዩ።

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment