ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ከባቢ መካኒሳ ዝርከብ ቢላሉል ሓበሺ ሎሚ መዓልቲ ጎብኒዮም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ከምዝበሉዎ÷ ቢላሉል ሓበሺ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጉዕዞ እስልምና ኢትዮጵያ ካብ መበገሲኡ ክሳብ ሕዚ ዘርኢ ሙዚዬም ኣዋዲዱ።
ኣብ ሃገርና ናይ እስልምና ታሪኽና ዝዝክሩ ሙዚዬማት ብኢድ ዝቑፀሩ ብምዃኖም እዚ ሙዚዬም ልዑል ዋጋ ዘለዎ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ውሽጢ እቲ ሙዚዬም ካብ ፈላማይ ሂጅራ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ታሪኽና ብዝግባእ ይረአ ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን፡፡
ኢትዮጵያ መዕረፊት ብዙሓት ሶሓባታት፣ ዓበይቲ ዓሊሞታት ዝርከቡላ፣ መናሃሪያ ዘደንቕ እስላማዊ ሓድጊታት ከምዝኾነት እውን ኣገንዚቦም፡፡
እቲ ትካል መናእሰይ ብሞያ ኣሰልጢኑ ንስራሕ ብምብቃዕ፣ ፀጉማት ብምሕጋዝ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ብምሕጋዝ፣ ንመናእሰይ ዝስማዕማዕ መውዐሊ ብምስንዳእ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ኣዚዩ ዓብዪ ክዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!