ጉዕዞ ጣናነሽ ፪ መርኣያ ዓቕሚ ፅንዓት፣ ቆራፅነትን ምውዳብን እዩ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጉዕዞ ጣናነሽ ፪ መርኣያ ዓቕሚ ፅንዓት፣ ቆራፅነትን ምውዳብን እዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡

ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ጣናነሽ ፪ ካብ ወደብ ዶራሌ ጅቡቲ ናብ ባህርዳር ዝተገበረ ጉዕዞ ፅንዓትን ቆራፅነትን ዝተመልኦ ከምዝነበረ ኣረዲኦም፡፡

እታ ጃልባ መብፅሒኣ ናብ ዝገበረቶ ከይዲታት ዝተሳተፉ ኣካላት ልዑል ግደ ከምዘለዎም ኣረጋጊፆም፡፡

እዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ ጋህዲ ንምግባር ዓብዪ ፃዕሪ ንዝገበሩ መዳርግቲ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment