ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሓድሓደ ፈፀምቲን ነጋዶን ዝረኣዩ ጉድለታት ሰነ ምግባር ብምትሕብባር ንእራም ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ምስ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንግዲ ማሕበራት ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ምዝታዮም ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣይተ በረከት ታከለ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ መድረኽ ንሰለስተ ግዘ ዝተኻየደ እንትኾን ኣብ ራብዓይን መዛዘሚን ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ኩሉ ብርኪ ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ንግዲ ብዝተካየደ ዘተ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ ኣረዲዶም፡፡
ሓድ ሓደ ኣብ ፈፀምቲን ነጋዶን ዝተራእየ ስነ-ምግባራዊ ጉድለታት ንምእራምን ከምኡ እውን ዓቕሚ ፈፀምቲ ንምዕባይ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምዕባይን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ዝተበፅሐ ምዃኑ ኣይተ በረከት ገሊፆም፡፡
ብዮናስ ጌትነት