ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ጆአን ዋድፉል ተዛቲዮም፡፡
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘለወን ኩለመዳይ ምትሕብባር 120 ዓመታት ከምዘቑፀረ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ እነተን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ብዝርዝር ከምዝተተዩ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ዝገበሩዎ ዘተ ንዝለዓለ ምሕዝነት ሓዱሽ ምንቕቓሕ ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ዝተገበረ ዘተ ናይዚ ከይዲ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብሪሆም።
ንሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ምውፋር ስራሕ፣ ንዓውዲታት ስልጠና ሙያን ሃፍቲ ተፈጥሮን ቅድሚት ንመሃብ ከምዝተስማዕምዑ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ ክሌማዊ ለውጢ፣ ድሕንነት፣ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻን በዓል ብዙሕ ወገን ምትብሕብባርን ብምጥንኻር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን ፀሪሖም፡፡
ጆኣን ዋድፉል ብግደኦም ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጀርመንን ዘበናት ከምዘቑፀረ ብምዝኽኻር÷ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ኣግባባት ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ እናገበረቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡
ብወንድሙ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!