ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ኦማን ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሼክ ካሊፋ ቢን ኣሊ ኣል ሃርቲን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም፡፡
ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኦማንን ዘሎ ዝፀንሐ ርክብን ሓበራዊ ረብሓ ንምኽባርን ከምኡ እውን ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምይንኻር ኢትዮጵያ ቆራጽ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።
ሰብ ሃፍቲ ኦማን ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገነ ብዘሎ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተፈጠሩ ዕድላት ንኽጥቀሙ እውን ኣበረታቲዖም።
ኣብ ሕርሻን ምቅንብባር ፍርያት ሕርሻን፣ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝም ከምኡ እውን ኣብ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምድንፋዕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ሼኽ ካሊፋ ቢን ኣሊ ኣል ሃርቲ ብግደኦም÷ ኦማን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ልዑል ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም ኣብ ሓባራዊ ዞባዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን ትኹት ከምዝገበሩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!