ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ሃገር ንዜጋታት ብፍትሓዊ ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ።
እቲ ግልጋሎት ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ሲዳማን ኣምረፍ ጥዕና ኣፍሪካን ብምትሕብባር ኣተገባብራ ትልሚ 2018 ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ኣብ ሃዋሳ ኣካይዶም፡፡
ምክትል ሓላፊት ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ ወ/ሮ ላምሮት ኣንዱኣለም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኦ፤ ብብርኪ ሃገር 63 ሚሊየን ዜጋታት ብማሕበረሰብ ለኸ ግልጋሎት መድሕን ጥዕና ተረባሕቲ ኮይኖም።
እቲ ግልጋሎት ብብርኪ ሃገር እቲ ግልጋሎት ተበፃሒ ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፣ ኣብ ቀፃሊ ቁፅሪ ክልላት ተረባሕነት ንምዕባይ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግልጋሎት ንምሃብ ካብ ተገልገልቲ ዝተኣከበ 19 ቢሊየን ብር ብተወሳኺ 7 ቢሊየን ብር ብመንግስቲ ክሽፈን ኣኽኢሉ ኢሎም፡፡
ብደብሪቱ በዛብህ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!