ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት ካብ መሸጣ ኢነርጂንን ዝተፈላለዩ እቶትን 52 ነጥቢ 26 ቢሊየን ብር ኣኪበ ኢሉ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግልጋሎት ጌቱ ገረመው (ኢ/ር) ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 266 ሺሕን 916 ሓደሽቲ ዓማዊል ተረባሕቲ ኤሌክትሪክ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
ብሓፈሻ እቲ ትካል ቁፅሪ ዓማዊል ልዕሊ 5 ነጥቢ 46 ሚሊየን ምሕላፉ ዝሓበሩ እንትኾን፤ ኣብዚ እዋን 94 ነጥቢ 8 ሚእታዊት ግልጋሎት ዓማዊል ወርሓዊ ሒሳቦም ብዘመናዊ ናይ ክፍሊት ኣማራፂታት ከምዝኸፍሉ ገሊፆም።
ዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ምምሕያሽን ዳግመ ህንፀትን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 52 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ በጀት ዓመት ካብ ዝተፈላለዩ እቶት፣ መሸጣ ኢነርጂ ሓደሽቲ ኣገልግሎት ዓማዊልን ሓዊሱ 52 ነጥቢ 26 ቢሊየን ብር ከምዝኣከበን ብምሕባር፤ እዚ ድማ 96 ሚኢታዊ ናይቲ ትልሚ ከምዝኾነን ተዛሪቦም፡፡
ብግዛቸው ግርማዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!