ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ዓውዲ ጥዕና ዲጂታል ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ፡፡
ኢትዮ ቴሌኮምን ግልጋሎት ቀረብ መድሓኒት ኢትዮጵያን ስማርት ዲጂታል ምፍትሒ ቀረብ ሰንሰለት ጥዕና ንምትግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ዝተረኸባ ዶ/ር መቅደስ ዳባ ከምዝበልኦ፥ እቲ ስምምዕ ምስ ኣወሃህባ መድሓኒት ዝተኣሳሰሩ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ስምምዕነት ንሕብረተሰብ ብተኣማኒነትን ቅልጣፈን ግልጋሎት ክህብ ዘኽእል ምዃኑ ኣረዲኤን፤ ግልጋሎት ዘፈር ጥዕና ዲጂታል ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፀን።
ቀረብ መድሓኒት ጥራሕ ዘይኾነስ ግልጋሎት ጥዕና ዝህቡ ትካላት እዋኖም ዝሓለው ንክኑ ኣብ ቐፃልነት ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም።
ብቅድስት ብርሃኑ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!