ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ግሪኽ ትሕቲ 15 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኽልክል ሓዱሽ ሕጊ ኣውፂኡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኪሪያኮስ ሚትሶታኪስ፤ ማሕበራዊ ሚዲያ ጭንቀት ኣእምሮ፣ ድቃስ ምስኣነን ካልኦት ፀገማትነ ከስዕብ ከምዝኽእል ብምሕባር÷ እቲ ውሳነ ህፃናት ንምሕላው ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሕ ግዘ ምሕላፍ ኣእምሮ ዕረፍት ከይረክብ ከምዝገብር ብምሕባር÷ በዚ ድማ ቆልዑት ኣብ ስልኮም ብዙሕ ግዘ ብምሕላፍ ፅቡቕ ድቃስ ከይረኽቡን ናብ ዝበለፀ ጭንቀት ክኣትዉን ኣብሪሆም።
ብመሰረት እዚ ድማ ትሕቲ 15 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ማሕበራዊ ሚዲያ ምጥቃም ዝኽልክል ሓዱሽ ሕጊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1 ጥሪ 2027 ጀሚሩ ከምዝትግበር ተሓቢሩ።
እታ ሃገር ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ሞባይል ስልኪ ከይጥቀሙ ዝኽልክል እገዳ ተግባራዊ ገይራ ከምዝነበረትን ወለዲ እውም ናይ ደቆም ኣጠቓቕማ ስክሪን መቆፃፀሪ መገዲታት ብምፍጣር ኣብ ረብሓ ክውዕልን ከምዝገበረ ፀብፃብ ዘ ኢንዲፔንደንት ኣመልቱ።
ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትሕቲ 16 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ማሕበራዊ ሚዲያን ዝኸልከለት ፈላመይቲ ሃገር ኢያ።
ብዮናስ ጌትነት