ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ልዕሊ 4 ሚሊየን ዜጋታት ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ዝተመርሐ ጉጅለ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ዝዝቲ መድረኽ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዘተ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ መጠንን ስፍሓትን እቲ ፀገም ተገንዚቡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽብፅሕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፣ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ፣ ኮሚሽነር ብሄራዊ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ምትኩ ካሳ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት መተሓባበሪት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዶክተር ካትሪን ሱዚ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ተረኺቦም።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ 750 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሽፍን ከባቢ ሓሙሽተ ዞባታት በቲ ግብረ ራዕዲ ወረራ ከምዝተፈፀመ ዝገለፁ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ፈንታ ማንደፍሮ፥ ብዝተፈፀመ ወረራ 4 ሚሊየን ህዝቢ ንዝኸፍአ ሰብኣዊ ቀውሲ ተቓሊዑ ኢዩ፤ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ህዝቢ ድማ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብምኽንያት ወራር ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝምልከት ምስ ብዙሓት ሓገዝቲ ትካላት ተደጋጋሚ ምይይጥ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ብግደኦም፥ ኣብ ተግባራዊ ምላሽ ግን ነቲ ፀገም ዝምጥን ኣይኮነን ኢሎም።

ሕዚ እውን ነቲ ፀገም ብቐረባ ዝፈልጡዎ ኩሎም ብምትሕብባር ንኽሰርሑ ፃውዒት ምቕራቦም ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment