ግዕዝይና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንምቕራፅ ኩሉ ሰብ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግዕዝይና ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ንምቕራፅ ኩሉ ሰብ ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

“ትውልዲ ብስነ ምግባር፣ ትካላት ብኣሰራርሓር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 22 ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ተኸቢሩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ብሄራዊ ኣጀንዳ ብምግባር ዘቀፃፀልናዮ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ቅድመ ሐዚ ዝነበረ ሕማቕ መንግስታዊ ዝተወደበ ስርቂ ምትራፍ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢለን።

ግዕዝይና ፀረ ምዕባለን ፍልፍል ኢ-ፍትሓውነትን ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀገ ግዕዝይና እንትነኽብር ግዕዝይና ንምቅላስ ዘለና ቁርፀኝነትን ዝኣተናዮ ቃል ብምሕዳስን ኢዩ ኢለን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ከም ሃገር ኢሉ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሃፍቲ መንግስቲን ህዝብን ኣብ ዝግበኦ ስራሕቲ ልምዓት ብምውዓልና ዝነኣድ ውፅኢታት ምርኣይ ክኢልና ኢና ክብላ እወን ገሊፀን።

መንግስታዊን ስርዓታዊ ዝተወደበ ስርቂን ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ ብብርኪ ውልቀ ሰብ ብመንግስቲ ሰራሕተኛታትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝፍፀሙ ስርቂታትን ጉቦን ልዑል ጠመተ ከምዘድሊ ሓቢረን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment