ግደ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋን ምንካይ ዋጋ መነባብሮን…

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ምርግጋእ ዕዳጋን ምንካይ ዋጋ መነባብሮን ብምንፅር ምንካይ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢሎም ዋና ኮሚሽን ኮሚሽነር ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣይተ ጌትነት ታደሰ፡፡
“ሕብረት ስራሕ ካብ ፍርያት ክሳብ ዕዳጋ፣ ካብ ኣፍረይቲ ክሳብ ሸመትቲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገር ለኸ ሕብረት ስራሕ ሲምፓዚየም ምክያድ ተጀሚሩ፡፡
እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ እዋን፤ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ጉዕዞ ብልፅና ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብሉ ግደ ብምውፃእ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ኣብ ዝግበር ልዑል ዝኾነ ምንቕስቃስ ምፍጣር ምኽኣላ ተዛሪቦም፡፡
ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣብ ገፀር ትራንስፎርሜሽን ጋህዲ ንምግባር ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment