ግድብ ህዳሰ መርኣያ ምብራኽ ኢትዮጵያ ኢዩ – ወ/ሮ ሮዛ ኡመር

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሕብረት ዕላዊ ዝኾነ ዓብዪ ገድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መርኣያ ምብራኽ ኢትዮጵያ ኢዩ  ኢለን ምክትል ረእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ወ/ሮ ሮዛ ኡመር።

“ብሕብረት ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መግለፂ ታሕጓስ ሰልፊ ደገፍ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ ነበርቲ ኣብ ከተማ ሃረሪ ሰልፊ ኣካይዶም።

ወ/ሮ ሮዛ ኡመር ኣብቲ እዋን፥ ገድብ ህዳሰ ብናይ ኢትዮጵያዊያን ሓበራዊ ፃዕሪ፣ ረሃፅን ደምን ዝተረኸበ ካብ ዓድዋ ቀፂሉ ዝተመዝገበ ታሪኽ ድሙቕ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት ኢዩ ኢለን።

ብዙሓት ሕልኽላኻት ብምስጋር ዕላዊ ዝኾነ እቲ ግድብ መርኣያ ዘበን ምብራኽ ኢትዮጰያ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

ገድብ ህዳሰ ናይ ዘበናት ኒሕ ምላሽ ዝሃበን ጥንካረ መንፈስ ዝተላበሰን ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂበን።

ብተስፋዬ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment