ግድብ ህዳሰ ሽርሒ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኣፍሺሉ ናይ ይክኣል መንፈስ ዘርኣየ ዓወት እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣሕመድ ዓሊ ሽርሒ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ንምፋሻል ፀለምቲ ህዝብታት ናይ ይክኣል መንፈስ ዳግማይ ዘንበረ እዩ ኢሎም፡፡

ምዝዛም ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ስዒቡ “ብሕብረት ክኢልና” ብዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ከሚሴ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰልፊ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፤ ግድብ ህዳሰ ምልክት ሓድነት ህዝቢ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣመራርሓ እቲ ለውጢ ግድብ ህዳሰ ብኒሕ ዛዚሙ ንህዝቢ ምርካቡ ብምሕባር፤ ብሕብረት ዝተዓወተ ሽርሒ ፀላእቲ ብምፍሻል ሃገርና ኢትዮጵያ ፀለምቲ ህዝቢታት ናይ ይክኣል መንፈስ ዳግማይ ዘርኣየ እዩ ኢሎም፡፡

መንግስቲ እቲ ለውጢ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሪሕነት ዓብዩ ታሪክ ተሰሪሑ ብምባል ገሊፆም፡፡

ምዝዛም እቲ ግድብ ከም ዓወት ዓድዋ ዳግማይ ታሪኽ ዝተሰርሐሉ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝተረኸበ ዓወት ብወደብ ክድገም እዩ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ብከድር መሓመድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment