ግድብ ህዳሰ ኣፍሪካውያን ብዘይ ሓገዝ ምዕራብ ዓለም ፕሮጀክት ክሃንፁ ከምዝኽእሉ ኣርኢዩ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፍሪካውያን ብዘይ ሓገዝ ምዕራብ ዓለም ፕሮጀክት ክሃንፁ ከምዝኽእሉ ኣርኢዩ ኢዩ።

ዘ ሳህል ሲግናል ዝተብሃለ ገፅ ዩቲዩብ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ትንታነ÷ ኢትዮጵያ ዓይኒ ዓለም ዝሰሓበ ግድብ ህዳሰ ብምዝዛም ከምዘመረቐት ኣልዒሉ፡፡

ሃገራት ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ገፀን ኣዚረናላ ከምዝነበሩ ብምሕባር እቲ ግድብ ብፅንዓት ሃኒፃ ንፍፀመ ከምዘብቀዐት ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ሓረስቶት፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብምትሕብባር እቲ ግድብ ብርእሰ ዓቕሚ ሃኒፃ ከምዝዛዘመት ገሊፁ፡፡

እቲ ግድብ ልዕሊ ሓይሊ ምፍልፋል ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ ዝበለ ዘ ሳህል ሲግናል÷ ምዝዛም እቲ ግድብ ኣፍሪካውያን ብዘይሓገዝ ለምዕራብ ዓለም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ሃኒፆም ክዛዝሙ ከምዝኽእሉ ዘርአየ ኢዩ ኢሉ፡፡

ግድብ ግድብ ካብ ግድብነት ሓሊፉ ስምምዕነታት ባዕዳዊ ገዛእቲ ዘፍረሰ፣ ሉኣላዊነት ዘረጋገፀን ዓቕሚ ምፍጣር ፅዕንቶ ኣፍሪካውያን ክብ ዘበለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment