ግድብ ህዳሰ ዳግማይ ድሙቕ ቀለም ታሪክ ጅግንነት ኢትዮጵያን ዝተፅሓፈሉ ኢዩ – ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግድብ ህዳሰ ዳግማይ ድሙቕ ቀለም ታሪክ ጅግንነት ኢትዮጵያን ዝተፅሓፈሉ ኢዩ  ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ምዕራብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር)።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተዛዚሙ ምምራቑ ስዒቡ “ብሓባር ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ቦንጋ ክልላዊ ሰልፊ ደገፍ ተሳሊጡ።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ግድብ ታሪክ ጅግንነት ዝተፅሓፈሉ ኣሰር ምዕባለ እዚ ዘበን ኢዩ ኢሎም።‎

ብሕጊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሃፍትና ንከይንጥቀም ክስረሐልና ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ፥ ነዚ ብምስባር ማህተም ሓድነትና ዝኾነ ግድብ ህዳሰ ብረሃፅናን ደምናን ዕላዊ ገይርና ኣለና ክብሉ ገሊፆም።‎

ብሓባር እነትንስለፍ ካብ ምልማዕ ዝእግደና የለን ብምባል፥ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ዕላዊ ዝገበረቶ ኣብ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘይደራደሩ መራሕን ህዝብን ብምስራያ ኢዩ ኢሎም።‎

‎ብፍሬው ኣለማየሁ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment