ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግድብ መገጭ እንትዛዘም ፍሪያት ግብርና ክስስን ኢዩ ኢሎም መልእኽቲ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ጎንደር ኣብ ዝነበረን ዑደት ኩነበታት ስራሕቲ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ገምጊምና ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት 870 ሄክታር ዝዓረፈ እንትኸውን 17000 ሄክታር መሬት ብመስኖ ቀረብ ክሽፈን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
ናይቲ ፕሮጀክት ቁልፊ ዝኾነ ናይ ወሓዚ ሩባ ጠለፋ ስራሕ ብዕዉት መገዲ ምዝዛሙ ኣብሪሆም።
ዝተረፉ ስራሕቲ ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ይካየዱ ምህላዎም ተዛሪቦም።
ናይ መገጭ ግድብ እውን ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ናይቲ ከባቢ ናይ ግብርና ፍሪያት ዘዕብይ ኢዩ ኢሎም።