ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጎስጓስ ትሩፋት ሌማት ፍርያት ስጋ ደርሆን እንቋቑሖን ብምዕባይ ዘመናዊ ምርባሕ ደርሆ የስፋሕፍሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ።
ምስፍሕፋሕ ዝተመሓየሹ ዓሌታት፣ ምጥንኻር ዘበናዊ ማእኸላት መራብሒን መጫጭሒን፣ ክንክን ጫቓቒትን ምምሕያሽ ስርዓት ባዮ-ሴኩሪቲን ከምኡ እውን ተሳትፎ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ቀንዲ ትኹረታት እቲ ኢኒሼቲቭ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።
በዚ ድማ ኣርባሕቲ ካብ ኣናእሽቲ ልምዓት ናብ ዕዳጋ ዝድሀበን መፍረያይ ዝኾነን ልምዓት ደርሆ ብምስግጋር እቲ ዓውዲ ንውሕስና ምግቢ፣ ንፍልፍል እቶትን ንምፍጣር ዕድል ስራሕን ንዜጋታት ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገብር ዘፈር እናኾነ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ንኣብነት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ኣሶሳ ወረዳ ኡራ ኣብ ዝርከብ “ፀፀ” ማእሐል መራብሒ ደርሆን መዳለዊ መኖን ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ምርባሕ ደርሆ ኣልዒሎም።