ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ጎንደር ዝግብኣ ዝሰኣነት፤ ጋና ብዙሕ ክስርሐላ ዝግባእ ከተማ እያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ንፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ከም ዝገለፁዎ፤ ፕሮጀክታት ምስ ተጀመሩ ኣብ ግቡእ ግዘ ምዝዛምን ንሕቶ ህዝቢ ግቡእ ምላሽ ምሃብን ኣገዳሲ እዩ።
ድሕሪ ቃል ምእታው ፕሮጀክታት ምድንጓይ ግና ዝኸፍአ ጥፍኣት ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ፕሮጀክት ከም ዝተዓዘብዎ ብምዝኽኻር፤ እቲ ፕሮጀክት ብስምዒት ዋንነት ዝተሓዘ ከም ዘይመስልን ንኣስታት 19 ዓመታት ልዑል ሃፍቲ እናባኸነ ህዝቢ ብፅምኢ ማይ ክሳቐ ከም ዝፀንሐን ገሊፆም።
እዚ ዝተጓተተ ኣሰራርሓ “መርገም” ተባሂሉ ክፅዋዕ ከም ዝፀንሐ ብምሕባር፤ ነዚ መርገም ብምንቃል ናብ በረከት ንምቕያር ዝተኻየደ ስራሕ በጀት ፋይናንስ ምምዳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቖፃፃሪ ስራሕ (ኮንትራክተር) ናይ ምቕያር ስጉምቲ እውን ዝሓዘ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ቀዲሙ ተሰሪሑ ዝነበረን ንከተማ ጎንደር ኮነ ከም ግድብ ንምግልጋል ዘይምጥን ስራሕ ብምፍራስ ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት ክልተ ዓመታት ብስምዒት ዋንነት ዝተኻየደ ፃዕሪ እቲ ፕሮጀክት ፍረ ክህብ ከም ዝኸኣለ ኣመልኪቶም።
ብመልካም ፈቃዱ