ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ጥምረት ማእኸላት መማዕበሊ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጣይሹ፡፡
ዕላማ እቲ ጥምረት ዩኒቨርሲቲታት ብውልቀ ዝግበሩ መፅናዕቲን ምርምራትን ብምምዕባል ብሓባር ናብ ዕዳጋ ምውፃእን ምድንፋዕን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ማእኸላት መማዕበሊ ስግግር ምርምርን ቴክኖሎጂን ዩኒቨርሲቲታት ደረጃኦም ዝሓዉ ንኽኾኑ ንምግባር ሓገዝ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ከምዝበሉዎ፤ ዩኒቨርሲቲታት ሓሳባት ፈጠራ ዝፍልፍሉሎም ስለዝኾኑ እቲ ጥምረት ምጥያሹ ዝሕግዞም ኢዩ።
ምጥያሽ እቲ ጥምረት ዩኒቨርሲቲታት ዘለዎም ውሱን ሃፍቲ ብሓባር ክብ ናብ ዝበለ ደረጃ ከምዘብፅሑን ብሓባር ክጠቀሙ ከምዝሕግዝን ተዛሪቦም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!