ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ንዕብየት ሓንቲ ሃገር ምዕባለን ብልፅግናን ጋህዲ ንምግባር ብቴክኒካዊ ሞያውን ክእለት ጥንኩር ባህሊ ስራሕ ዘማዕበለ ወለዶ ምህናፅ የድሊ ኢለን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ነዚ ዝበላ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ መንግስታዊ ቴክኒክን መሰልጠኒ ሞያን ብስሩዕን ምሸታዊን ፕሮግራማት ስልጠናኦም ዝዛዘሙ 7 ሺሕ 149 ሰልጠንቲ ኣብዘመረቀሉ እዋን እዩ፡፡
እቲ ቢሮ ብሓላፍነት መርሃ ግበሪ እቲ ስልጠና ካብ ደረጃ ክልተ ክሳብ ደረጃ ሓሙሽተ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ 14 ትካት መንግስቲ ቴክኒክን ሞያን መሰልጠንቲ ኮሌጃት ኣብ 22 ዓውዲታት ሰልጢኖም ብቁዕ ዝኾኑ ሰልጠንቲ ኣመሪቀን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ናይ ሎሚ ወለዶ ናይ ፅባሕ ወለዶ ስንቂ ንምቕማጥ ልዑል ስራሕ ክሰርሕ ትፅቢት ከምዝግበር ብምሕባር፤ ነዚ ጋህዲ ንምግባር ድልዱል ናይ ስራሕ ባህሊ ከምዘድሊ ሓቢረን።
በዙይ እውን ሰልጠንቲ ቴክኒክን ሞያን ንምፍታሕ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኤን፡፡
ምሕዳር እታ ከተማ ሓደሽቲ ፈጠራዊ ስራሕ ዘለዎም መናእሰይ ንምትብባዕ ልዑል በጀት መዲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢረን።
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!