ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ተበፃሕነት ምጥንር ጥዑይ ማሕበረሰብ ንምፍጣፍር ወሳኒ ግደ ኣለዎ ኢሉ።
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህፅናት ምስተወለዱ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክታበት መከላኸሊ ሕማም ጉበት ኣብ ሆስፒታል ኣበበች ጎበና ብዕሊ ተጀሚሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ድጉማ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ከምዝበሉዎ፤ ጥዑይ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዘኽእሉ ተግባራት ትኹረት ተዋሂቡዎም እናተወገኑ ይርከቡ።
ካብ ሞንጎ ዝውገኑ ተግባራት ሓደ ሕማም ምክልኻል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ በዚ መዳይ ተበፃሕነት ካታበት ምጥንኻር ብስፍሓት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሕማም ጉበት ኣብታ ሃገር ልዑል ፀገም ጥዕና እናኾነ ምምፅኡ ብምሕባር፤ እቲ ፀገም ንምክልኻል ክታበት ተበፃሒ ምግባርግ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!