ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ጭቡጣት ለውጥታት ዝተመዝገቡሎም ኢዮም ኢሉ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን።
ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ኢትዮጵያ ግደኣ ብኣግባቡ ትዋፃእ ከምዘላ ተዛሪቦም።
ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ጭቡጣት ለውጥታት ዝተርኣይሎም ብምዃኖም ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ማእኸል ስሕበትን ተመክሮን ትኸውን ከምዘላ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ዓለም ለኸ ጉባኤታት ከምእተሰናድእ ብምግላፅ፥ መበል ካልኣይ ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣብቲ ጉባኤ ተመክሮ ኢትዮጵያ ንዓለም ዝረኣየሉን ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ውሳነ ዝወሃበሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብሰለሞን ይታየው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!