ጭቡጣት ለውጥታት ዝተመዝገቡሉ ስራሕቲ ምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ  ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ጭቡጣት ለውጥታት ዝተመዝገቡሎም ኢዮም ኢሉ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን።

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ኣብ ዝስራሕ ስራሕ ኢትዮጵያ ግደኣ ብኣግባቡ ትዋፃእ ከምዘላ ተዛሪቦም።

ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ጭቡጣት ለውጥታት ዝተርኣይሎም ብምዃኖም ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ማእኸል ስሕበትን ተመክሮን ትኸውን ከምዘላ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ዓለም ለኸ ጉባኤታት ከምእተሰናድእ ብምግላፅ፥ መበል ካልኣይ ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብቲ ጉባኤ ተመክሮ ኢትዮጵያ ንዓለም ዝረኣየሉን ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ውሳነ ዝወሃበሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሰለሞን ይታየው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment