ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካልኣይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን እንትቕፅሉ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡
እቲ ሊግ ብስዕረት ዝጀመረት ማንቼስተር ዩናይትድ ፈላማይ ዓወት እዚ ውድድር ዓመት ብምሕሳብ ሎሚ ምሸት 12:30 ኣብ ክራቨን ኮቴጅ ምስ ፉልሃም ክትገጥም ኢያ።
ብኣርሰናል ስዕረት ኣብ ዘተኣናገደትሉ ፀወታ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ዘርአየት ዩናይትድ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ክትዕወት ኢያ ዝብል ቅድመ ግምት ረኺባ።
ኣብ ካልኦት መርሃ ግብሪታት እዚ ዕለት ክሪስታል ፓላስ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ከምኡ እውን ኤቨርተን ምስ ብራይተን ቀትሪ ሰዓት 10 ክፃወታ ኢየን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!