ፀወታ ደርቢ ማንቹሪያን  …

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ሰዓት 9፡30 ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎልድ ኣብ ዝሳለጥ መበል 22 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ክራኽባ ኢየን።

ምስ ኣርሰናል ብ6 ነጥቢ ትሕት ኢሉ ዝርከብ ማንቼስተር ሲቲ ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝገበሮም ዝሓለፉ ፀወታታት ማዕረ ምፍልላዩ ይዝከር።

ክልቲኦም ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዝገበርዎም ሓሙሽተ ፀወታታት ማንቼስተር ሲቲ ሰለስተ ግዘ እንትስዕር ኣብ ሓደ ፀወታ ስዕረት ምግጣሙ ይዝከር።

ሓደ ፀወታ ድማ ማዕረ ተፈላሊዮም።

ኣንቶኒ ቴይለር፥ ሎሚ ሰዓት 9፡30 ኣብ ኦልድትራፎርድ ዝግበር ፀወታ ደርቢ ማንቹሪያን ናይ ማእኸል ዳይና ብምዃን ክመርሕዎ ኢዮም።

ኣርሰናል ናብ ሲቲ ግራውንድ ብምቕናዕ ምሸት ሰዓት 2፡30 ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ክጋጠም ኢዩ።

ሊቨርፑል ምስ በርንሌይ፣ ቼልሲ ምስ ብሬንትፎርድ፣ ሊድስ ዩናይትድ ምስ ፉልሃም፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ፣ ሰንደርላንድ ምስ ክሪስታል ፓላስ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 12፡00 ከምዝራኸባ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ይሕበር።

 

Comments (0)
Add Comment