ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀጋታት ናብ ምዕባለ ብምልዋጥ ዝተጀመረ ባህሊ ስራሕ ንኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ዘሳግር ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ተፈጥሮ ብልግስናኣ ካባ ፅባቐ ንዝለበሰት፣ ታሪኽ ብኽብሪ ጌፅ ንዝኾሓለቶ ደቡብ ወሎ፤ ብፕሮጀክት “ገበታ ንትውልዲ” ዝተሃነፀ ሪዞርት ቃላይ ሎጎ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።
እዚ ቦታ ተምሳሌት ሓድነት፣ ፍቕሪን ምክእኣልን ንዝኾነ ህዝቢ ወሎ ተወሳኺ ሓዱሽ ድምቀት ቱሪዝምን ዓቕሚ ልምዓትን ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም።
እቲ ሪዞርት ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ሃፍቲ ቱሪዝም ብልምዓት ዝገልፅን ንዓለም ዘርኢ መስትያት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ሰፊ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ምንቅስቓስ ንግዲን ኣገልግሎት ብምንቕቓሕ፣ ንሃገራዊ ኢኮኖሚ ዕድገት ተወሳኺ ጉልበት ዝኸውን ኢዩ ኢሎም፡፡
ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በቢከባቢኡ ዝርከቡ ዓቕሚታት ቱሪዝም ብምቕላዕ፣ ምስ ህዝቢ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ብምድራብ፣ ንዝለዓለ ዓወት ዝግበር ትግሃት ንፃት ኣይንዘልልን ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡