ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅሬት ዘለዎ ተበፃሕነት ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ንምጥንኻር ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሉ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ኢትዮጵያ፡፡
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ተስፋዬ ወርቁ ከምዝበሉዎ÷ መድሕን ጥዕና ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ኣድላዪ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽረኽቡ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
ዜጋታት ፀገም ጥዕና እንተጋጥሞም በዘይ ተወሳኺ ወፃኢ ሕክምና ናብ ትካላት ጥዕና ብምኻድ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ክሕከሙ ዘኽእል ከምዝኾነ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ 1 ሺሕን 195 ወረዳታት እናተተግበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
በዚ ድማ 13 ነጥቢ 67 ሚሊየን መራሕቲ ስድራ ኣባላት ምፍራይ ዝተኽኣለ እንትኸውን÷ ልዕሊ 63 ሚሊየን ዜጎ,ጋታት እውን ተረባሕቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ኣገልግሎት መድሕን ጥዕና ዘይተተጀመረለን ወረዳታት ተበፃሒ ንምግባር ብምውዳድ ከምዘስራሕ ገሊፆም፡፡
ኣወሃህባ እቲ ኣገልግሎት ብቴክኖሎጂ ዝሓገዘ ንምግባር መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!