ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅርየትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ክብ ንምባል ቆላሕቲ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።
ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ሚኒስቴር ትምህርቲ ካብ ዘህንፆም ሞዴል ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ውሽጢ ሓደ ዝኾነ ህንፀት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣጋ ጢንጠኖ ኣብ ዞባ ጉጂ ከተማ ሻኪሶ ኣጀሚሮም።
ኣብቲ እዋን ስርዓት ትምህርቲ ካብ መሰረቱ ብምቕያር ሃገር ዝሃንፅ ቀፃሊ ትውልዲ ንምፍራይ ቆላሕታ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብልዕል 50 ሚሊየን ብር ዝህነፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ከምዝዛዘም እውን ኣገንዚቦም።
ብፀሃይ ጉሉማ