ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፅርየት ትምህርቲ ንምሕላው ብዝተገበሩ ተግባራት ዝተባባዕ ውፅኢት ተረኺቡ ኢለን።
ቢሮ ትምህርቲ እቲ ምምሕዳር መበል 32 ከተማዊ ጉባኤ ትምህርቲ፥ ብፍልጠትን ክእለትን ትውልዲ ብምፍራይ ንኢትዮጵያ መርኣያ ሃገር ክንገብር ኢና” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበልኡ፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብስልጠትን ክእለትን ዝተሃነፀ ትውልዲ ንምፍራይ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ይወሰድ ኣሎ።
ንፅርየት ሓገዝቲ ዝኾኑን ስብራት ትምህርቲ ንምፅጋን ዘኽእሉን ተግባራት ብምክያድ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪበን።
ብመሰረት እዚ ብፍልጠትን ኣካልን ዝማዕበለ ተውልዲ ንምፍራይ፣ ፅባቐ ኣብያተ ትምህርቲ ንምቕያርን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ትምህርቲ ምሃብ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!