ፅባሕ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት

ፅባሕ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት…

ብተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ መስቀል ኣደባባይ ምስ ዝካየድ ዓብዪ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ተተሓሒዙ ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ክዕፀዉ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ፡-

– ካብ መገናኛ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ቅዱስ ኡራኤል ቤተክርስቲያን

– ካብ ወሎ ሰፈር ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ኦሎምፒያ

– ካብ ጎተራ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኡ ኣሽከርከርቲ ንከበድቲ መኻይን ኣብ ጎና ሲኒማ፤ ንካልኦት ተሽከርከርቲ ኣብ ጥላሁን ኣደባባይ ክዕፆ ኢዩ፡፡

– ካብ ጦር ሃይሎች ብሜክሲኮ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኣ ተሽከርከርቲ ብተለምዶ ኣፀዋውዓ ኣብ ከባቢ ክቢ ባንኪ

– ካብ ፒያሳ ብቸርችል ጎደና ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝፅኡ ኣብ ሃራምቤ መብራት

– ካብ 4 ኪሎ ብጉዳያት ወፃኢ ናብ መስቀል ኣደባባይ ንዝመፅኡ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ መስቀለኛ

– ካብ ከባቢ ኣዋሬ ኣብ ካሳንቺስ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝመፅኡ ኣብ ከባቢ ኢንተርኮንትኔታል ካብ ቀትሪ ሰዓት 5፡00 ጀሚሩ እቲ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ክሳብ ዝዛዘም ክዕፀዉ ኢዮም።

Comments (0)
Add Comment